ወግዓዊ መግለጺ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ህልው ከይዲ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን
ዝኸበርካ ሓፋሽ ህዝብና፣ ዝኸበርኩም ኣሓት ህዝብታት ኤትዮጵያ
ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ብሰንኪ ኣድላይነት ዘይነበሮ፣ ብዶባዊ ምስሕሓብ ዝተመኽነየ፣ ህልቂትን ስንክልናን መንእሰያት፣ ዝበረሰ ንብረት ክልቲኡ ህዝብታት ማእለያ የብሉን። ከም ሳዕበኑ ድማ ሚልዮናት ህዝቢ ተፈናቒሎምን ኣማኢት ኣሽሓት ህጻናትና ዘኽቲሞምን። ዶባዊ ኩናት ብ መንጎኝነት ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ 18 ሰነ 2000 ዓመተ ምህረት ደው ድሕሪ ምባል ብ 12 ታሕሳስ 2000 ዓ/ም ቀያድን ናይ መጨረሽታን ስምምዕ ኣልጀርስ ተፈሪሙ። ክልቲኡ ህዝብታት ምስ ቁስሉ ከሎ ገና ምረት ሳዕበናት ኩናት ካብ ዝባኑ ከይተኣልየ፣ ሕጊ መሰረት ብምግባር ንቡር ሕውነታዊ ዝምድንኡ ክገብር ብሃረርታ ዝተጸበዮ ብይን ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ብ 13 ሚያዝያ 2002 ውሳነኡ ሂቡ። እንተ ኮነ ብሰንኪ ህልኽ ክልቲኦም መንግስታት ክልቲኡ ህዝብታት ካብ ኩናት ብዘይፍለ ንዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመታት ከቢድ ዋጋ ክኸፍል ጸኒሑን ኣሎን።ብፍላይ ኣረመናዊ ስርዓት ህግደፍ፣ ባድመ ብዝብል መኽንያት ውልቃዊ ጥምሑ ንምትግባር ንህዝቢ ኤርትራ ኣባዲምዎ ኢዩ።እንሆ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕልቀል ዘሎ ሓድሽ ምዕራፍ ምምሕያሽ ፖለቲካዊ ስርዓት፣ ካብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጽገናን ዕርቅን ኢትዮጵያ ሓሊፉ ምስ ኤርትራ ዝጸንሐ ኣይሰላም ኣይኩናት ብሕግን ብሰላምን ዕርቅን ክፍታሕ ብዝወሰዶ ተባዕ ተበግሶ ተስፋ ኩሎም ህዝብታት ኮይኑ ይርከብ።
ዝከበርካ ህዝቢ ኤርትራን ኣሓት ህዝብታት ኢትዮጵያን
ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኽፉት ልቢ ንቀያድን ናይ መጨረሽታን ውሳነ ኮምሽን ዶብ ምቕባሉ ሓደ ስጉምቲ ንቕድምት ምኻኑ ንኣምን። ብውሕዱ ነቲ ኣብ ዶባት ብስርዓት ህግደፍ ናብ ጸላኢት ሃገር ከድካ ተባሂሉ ብተመልከተለይ ክቕዘፉ ዝጸንሑ መንእሰያት ኤርትራ ከቃልሎ ከምዝኽእል ንርኢ። ኣብ ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት ኣወንታዊ ተራ ከምዝጻወት’ውን እምነትና ኢዩ። ሎሚ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም ውሽጣዊ ሰላመን ብ ሕግን ደሞክራስን ፍትሕን ኣውሒሰን ካብ ጎረባብተን ሓሊፈን ዞባውን ኣህጉራውን ሃናጺ ጽምዶ ኣብ ዝከዳሉ ዘለዋ እዋን፣ እዘን ክልተ ኣሓት ሃገራት ክኾናኦ ዝነበረንን’ውን ኢዩ።እንተኮነ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ መስክረለይ ዘየድልዮ፣መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ብግቡእ ዝፈልጥዎ ኣብ ሰልሚ ምህላውን ዘይ ምህላውን ሕቶ ወዲቑ ይርከብ። ኣብ ምሉእ ዘመኑ ርኢዎ ዘይፈልጥ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን በደልን ብርሰት ስደት መንእሰያትን ጭቆናን ካብ ጎረባብቲ ሓሊፉ ዓለም ኣስካሕኪሑ ይርከብ።ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘይወጽእ ሓዘን ጋህን ወዲቑ፣ ህጻናቱ ብዘይ ኣቦን ኣደን ብዘይ ብሩህ መጻእን ፍቕሪ ወለድን ኣብ መዕስከራት ስደተኛታትን ይነብሩ ኣለዉ። ብገዛእ ጸጋታቱ ብሰንኪ ሽርሒ ተበላጺ ስርዓት ንጥምየትን ደክነትን ጥራይ ዘይኮነ ንጽንተት ተፈሪዱ ኣሎ። ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ንስለ ህዝቦም ተጋዲሎም ርብዒ ዘመን ዝተሓየሩን ንጹሃት ተጋደልትን መራሕቲ ሃይማኖትን ኮታ ኩሎም ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ሚኢቲ መዓሙቕ ቤት ማእሰርቲ ዝሰሃጉ ዘለዉ ንጹሃት ደቂ ሃገር ክሪኣ ዘይታዓደላ ኣዒንቲ ኣረመናዊ ስርዓት ብዛዕባ ሰላም ክምድሩ ምስሉይነት ኢዩ።
ለበዋና ንመንግስቲ ኢትዮጵያ፣
ሰላምን ዕርቅን በቲ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለን ገና መሪር ሂወት ዘሕልፍ ዘሎን ህዝቢ ምስ ዝከሓስን ዝድበስን ሪኢቶኡ ምስ ዝስማዕን ድኣ ምበር፣ ምስ’ቲ ጠንቂ ኩሉ ዕንወት ብርሰትን ህዝብና ዝኾነ ስርዓት ቶርታ ብምቑራስ ከምዘይኮነ ትስሕትዎ ኣይመስለናን። ነባሪ ሰላም ዝረጋገጽ ኩሉ ዝግበር ዝምድናን ምሕንጻጽ ክልተኣዊ ዶብን ሕጊ መሰረት ብምግባር ንኽልቲኡ ህዝብታት ንመሰረታዊ ኣተሃላልዋኡ ብዘይጎድእ ኣፈጻጽማ ክትግበር ከሎ ኢዩ። እዚ ማለት ድማ ትግባረ ምሕንጻጽ ዶብ፣ እቲ ብሕጊ ክሕንጸጽ ዘለዎ ብሕጊ እቲ ብልዝብ ክመዓራረ ዝኽእል ድማ ብልዝብ ክልቲኡ ህዝብታት ብፍላይ ድማ ኣብ ዶብ ዝርከብ ህዝብታት ምስ ዝስነ ኢዩ። ብቐንዱ’ውን ነባሪ ሰላም ዝመጽእ፣ ደሞክራስያዊት ኢትዮጵያ ምስ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ዝግበር ኣብ ናይ ሓባር ረብሓን ክልቲኦም ህዝብታት መሰረት ዝግበረ ሕጋዊ ስምምዓትን ውዕላትን ኢዩ። ነዚ ዘተግብርን ዝበቕዖን መንግስቲ፣ ህዝባዊ መንግስቲ ድጋፍን ተቀባልነት ህዝቡ ዘሎዎ ስርዓትን ጥራይ ኢዩ። ስለዝኾነ ለበዋና ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ጥራይ ኢዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሃዋ-ሃዋ ሰላምን በይናዊ ሃገራዊ ረብሓ ኢትዮጵያን ተደሪኽካ ብታህዋኽ ንህዝቢ ኤርትራ መሰረት ዘይገበረ ምስ ሃገራዊ ባይቶ ኮነ ሕጋውነት ውክልና ህዝቢ ዘይብሉ ብቕዋም ዘይቕየድ ጨፍላቒ መንግስቲ ዝግበር ስምማዓት ነባሪ ሰላም ዘየምጽእ ስለዝኾነ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ዳግማይ ከይጋሃስ ቆላሕታ ክትገብሩ ብጥብቂ ከነዘካክር ንደሊ። ብታህዋኽ ዳግም ናብ ዝኸፍአ ምትፍናን ክልቲኦም ህዝብታት ዝወስዱን ዝኸበደ ዋጋ ዘኽፍሉን ስጉምታት ካብ ምውሳድ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ክቡር ቀዳማይ ሚንስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢ ኣሕመድ ድማ ብፍላይ ክሓስብሉ ይግባእ። ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ክልተኣዊ ስምምዓት፣ ልክዕ ከም’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዕንብብ ዘሎ ደሞክራስያዊ ስርዓትን ምሉእ ምሕረት ንናይ ፖለቲካውያን እሱራትን ኣብ ኤርትራ ክህሉ ክጽዕሩ ይግባእ።
ዝኸበርካ ሓፋሽ ህዝብና
ሃገርና ብመስውእቲ ኣሽሓት መንእሰያት ደቂ ህዝቢ ዝተረክበት ክንሳ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ሎሚ ሃገር ብምልእታ ውልቃዊ ዋኑነቱ ኮይና ክሸጣን ክልውጣን ከም ዊንታኡ ክገብርን ይርአ ኣሎ። እዚ፣ ንዕቀትን ብድዐን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝወሰደ ደማዊ ኲናት ክልቲኤን ሃገራት ልዕሊ 20 ዓመታት ኣፍራዪ ዕድመ መንእሰያትና ዘባከነ፣ ጠንቅን መበገስን ብመሰረቱ ናይ ዶብ ኲና ከምዘይነበረን ሓደ ህዝቢ ምኻንናን ብመሰረቱ’ውን ዶብ ክህልዎና ከምዘይግባእን ከይሓፈሩ ብንዕቅት መዲሮም ኣለው። ነቲ መመሳመሲን መህለቒ መንእሰያትን ዝኾነ ዶባዊ ሕቶ ኣወንዚፍካ ኣብ ውልቅዊ ዕዳጋ ምእታው ብድዐ ኣብ ልዕሊ ኩልንትንኦም ንህዝቦምን ሃገሮምን ዘወፈዩን ዝተሰዉኡን ሃገራውያን ኢዩ። ደም ህዝብና፣ ደም ሓሰኻ ኣይኮነን ብኾንቱ ዝፈስስ። ናይ ዝፈሰሰ ደም ህዝብናን ዝባኸነ ንእስነትናን ተሓታቲ ኣረመናዊ ስርዓት ህግደፍ ኢዩ። ህልቂት ንጹሃት መላገጺ ኣይኮነን።
ዝኸበርኩም ተቓለስቲ ኤርትራውያን፣
ስርዓት ህግደፍ ኣረመንነቱን ብድዐኡን ኣብልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ኣብልዕሊ ተቓለስቲ ድማ ብፍላይ፣ ሎሚ ልዕሊ ማንም እዋን ናይ “ካብኡ ኣይትሕለፉ” ብእውጅ ገሊጹልና ኣሎ። ንሕና ድማ ልዕሊ ማንም እዋን ዘለና ደቀቕቲ ፍልልያት ኣወንዚፍና ዋልታ ህዝብና እንኾነሉ ግዜ ሕጂ ኢዩ። ደቀቕቲ ፍልልያት ክንጽብጽብ ዘጥፋእናዮ ግዜ መናውሒ ዕድመ ምህሙን ስርዓት ህግደፍ ኮይኑ ጸኒሑ ኢዩ። ሎሚ ግን የብቅዕ፣ ኩሉ ዓቕምና ናብ’ቲ ምስሉይ ስርዓት የቕንዕ።
ክብርና ክምለስ ሓቢርና ንቃለስ!
ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ
29 ሰነ 2018
ቴል ኣቪቭ - እስራኤል
Be the first to comment
Sign in with
Facebook Twitter